ንሰሌጤን ዘተ ሃገራዊ ኮሚሽን እንገብሮ ደገፍ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሃገር ኣሰር እነንብረሉ ኢዩ- ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

36



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/10/ 2016 /ኢዜአ/ንሰሌጠን ዘተ ሃገራዊ ኮሚሽን  እንገብሮ ደገፍ ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ሃገር ኣሰር እነንብረሉ ኢዩ ከብሉ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሬኢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ኣፈፃፅማ መከደባት እቲ ኮሚሽን ዝጠመተ ፀብፃብ ኣብ ዘዳመፅሉ እዋን፥ እቲ ኮሚሽን ልኡኹ ንምፍፃም ዘጋጥምዎ ፀገማት ብምፅዋር ዘላቒ ሰላም ህዝብታት ንምሕላው ዝፈፀሞም ስራሕቲ ንኢዶም።

ብብርኪ ሃገር ዘለዎ ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ ቅድሚ እቲ ፀገም ምርካብ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ነቲ ሃገራዊ ዘተ ኩሉ ተገዛኢ ብምዃን ምስ መሓዉር መንግስቲን ኣካላት ፀጥታን ብምዝታይ ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ካልኦት ደገፍ ክገብሩ ዝኽእሉ ትካላት ስራሕቲ ቅድመ ምድላዎም ብሓባር ብምስራሕ ነህዝቢ ዝተኣተወ ቃል ምፍፃም ይግባእ ክብሉ ምግላፆም ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም