ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

40



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/9/ 2016 /ኢዜአ/ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብምዝታይ ውሳነ ዘሕለፈሎም ጉዳያት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፡-

1. ኣቐዲሙ ዝተመልከቶ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እንትኸውን÷ እቲ ረቂቕ ኣብ መበል 29 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ ዝፀደቐ ፖሊሲ ግልጋሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ መሰረት ብምግባር እቲ ፖሊሲ ንምፍፃም ክከኣል ተገይሩ ዝተሰናደአ ኢዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ረቂቅ ኣዋጅ ኣብ 2010 . ፀዲቑ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ኣዋጅ ኣብ ከይዲ ትግበራ ዝተረኣዩ ክፍተታት ብፍላይ ምምሕዳር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናፃ፣ ዘይሻራዊ፣ ቅልጡፍ፣ ተበፃሒን ኣብ ተሓታትነት ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ፤ ከምኡ እውን ምስ ግዚኡ ዝስጉም ስርዓት ኣስራርሓ ንምዝርጋሕ ዘኽእል ረቂቅ ኣዋጅ ተሰናዲኡ ናብቲ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብግድኡ ኣብቲ ረቂቅ ኣዋጅ ብምዝታይ እታወታት ብምውሳኽ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

2. ካብዚ ብምቕፃል እቲ ቤት ምኽሪ ዝተዛተየ ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ኢዩ፡፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ዘበናት ዘጋጠሙን ዝቐፀሉን ተደራረብቲን ሰፋሕቲን ወሰን ጉድኣትን ኣጥፋኢን ዘለዎም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል፣ ሕድሕዳዊ ጎንፂታት፣ ዘይነፀሩ ተረኻትን በደላትን ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ፈተነታት ተገይሮም ኢዮም፡፡ ይኹን እምበር እዞም ኣሰራርሓታት ኣብ ሓቂ፣ ዕርቂ፣ ምሕረትን ፍትሒን ዝተዋደደን ብግልፂ ፖሊሲ ዝምራሕን ኩለመዳያዊ ስግግር ፍትሒ መካተቲ፣ ሰብኣዊ መሰል  ብዝኾነን ብዝተናበን መገዲ ብዘይ ምትግባሮም ዝድለ ዘላቒ መፍትሒ ከምፅ ኣይከኣሉን። ብምዃኑ ድማ ከይዲ ስግግር ፍትሒ ብዝተወደበ፣ ዝተመዓራረየን ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ ብብርኪ ሃገር ንምምራሕን ንምትግባርን እቲ ረቂቕ ፖሊሲ ተሰናዲኡ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ ብግድኡ ኣብቲ ረቂቅ ኣዋጅ ብምዝታይን እታወታት ብምውሳኽን ካብ ዝፀደቐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ንኽውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም