“ጥንኩር ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ምስ ብሄራዊ ረብሓታትና ዝቃዶ አረዳድአን  ኣተሓሳስባን ምሓዝ የድሊ”- ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

31



 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/9/2016/ኢዜአ/ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ ሃገራዊ ምርድዳእን ተራ ትካላት ኮሙዩኒኬሽን ብዝብል ርእሲ ንሓለፍትን ሰብ ሞያን ኮሙዩኒኬሽን ስልጠና እናሃበ ይርከብ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ መርሃ ግብሪ ስልጠና መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ግልጋሎት ኣይተ ከበደ ዴሲሳ ጥንኩር ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ምስ ብሄራዊ ረብሓታትና ዝቃዶ አረዳድአን  ኣተሓሳስባን ምሓዝ የድሊ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝራአዩ ፀገማት ካብ መበገሲኦም ብምርዳእ ኸይዲ ህንፀት ሰላም ንምቕልጣፍ ተራ ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ዝዓዘዘ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ዕላማ እቲ ስልጠና ንዘፈር ኮሙዩኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ብስልጠና ብምድጋፍ ተበፃሕነት እዋናዊ፣ ትኽክለኛ፣ ዝተናበበን ዝተዋደደን መረዳእታ ምርግጋፅን ንሚድያ ብኣጀንዳ ንምምራሕን ዓቕሚ ንምፍጣር 'ዩ።

ብሄራዊ ረብሓታት፣ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ሃገር ብምርዳእ ንህንፀት ሃገረ መንግስቲ ብኮሙዩኒኬሽን ንምድጋፍ፣ ንህዝቢ ትኽክለኛ መረዳእታ ብእዋኑን ብፅርየትን ንምሃብ ከምዝጠቕሞም ገሊፆም።

ኣብቲ ስልጠና  ክሳብ 200 ዝኾኑ ኣመራርሓታትን ላዕለዎት ሰብ ሞያን ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ከምዝተሳተፉ መረዳእታ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ የመላኽት።

ቅድሚ ሕዚ ንኣመራርሓታትን ሰብ ሞያን ህዝባውን ንግዳውን መራኸብቲ ሓፋሽ ከምዝተውሃበ ዝዝከር 'ዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም