ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሳኺ ማዕቐብ ክተንብር ትሕነ ከምዘላ ተፈሊጡ

114

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/9/2016 /ኢዜአ/ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ተወሳኺ ማዕቐብ ከምተንብር ኣፍሊጣ።

ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን÷ ኣሜሪካ ኣብ ሰብ ኣልቦ ድሮንን ፕሮግራም ሚሳኤልን ኢራን ዒላማ ዝገበረ ማዕቐብ ክተንብር ኢያ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንዘብዒ ኣብዮታዊ ኢራንን ሚኒስቴር ምክልኻልን ኢራን ኣብ ልዕሊ ዝድግፉ ኣካላት ማዕቐብ ከምተንብር ኣጠንቂቖም።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ስዒቡ ናይ ሕነ ምፍዳይ ግብረ መልሲ ንመሃብ ፕሬዚዳንት ባይደን መሓዙት ኣሜሪካ ምስ ዝኾና ኣባል ሃገራት ጉጅለ 7 እናዘተዩ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ናይ ኣየር መከላኸሊታትን ስርዓታት ቅደመ መጠንቀቕታን ከምዝሃነፀት ብምሕባር፤ እዚ ድማ ሚሳኤላት ኢራን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ውፅኢታዊ ከይኾኑ እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ምክልኻል ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝንበሩ ሓደሽቲ ማዕቐባት ወታደራዊ ዓቕሚ ኢራን ዘዳኽሙን ዓቕመ ኣፅዋር ንምቁፅፃር ዝሕግዙን ኢዮም ምባሎም ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ኣመልኪቶም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም