ኢትዮጵያ ዋና መብፅሒት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኮይና ኣላ - ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ

26



ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/9/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ዋና መብፅሒት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኮይና ኣላ ክብሉ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ (/ /) ገሊፆም።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፎረም ቢዝነስን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ኣሜሪካ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ ፎረም ኣብ ኣኼባ ባንኪ ዓለምን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ) ዝተረኸበ ብኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ተሳቲፉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ናብ 150 ዝፅግዑ ኢትዮጵያውያንን ሰብ ሃፍቲ ኣሜሪካን ኣብቲ ፎረም ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ፎረም ዕድላት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ኩነታት ኣየር ምኽክር ንምግባር ዕድል ዝሃበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ንሰብ ሃፍቲ እውን ጠቓሚ መድረኽ ኔትወርክ ከምዝነበረ ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (/ /) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ዋና መብፅሒት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ከምዝኾነት ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ኣብ ኣፍሪካ ተመራፂ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ኣብ 5 ደረጃ ከምትርከብ ተዛሪቦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም