ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢንዱስትሪታት ጎጆ ብምጥንኻር ናብ ዓበይቲ ፋብሪካታት ንክዓብዩ ደገፍ ክግበር እዩ

31



ኣዳማ/ሚያዝያ 9/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኢንዱስትሪታት ጎጆ ብምጥንኻር ናብ ዓበይቲ ፋብሪካታት ንክዓብዩ ዝተፈላለዩ ደገፋት ከምዝግበሩ ቢሮ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክእለትን እቲ ክልል ገሊፁ።

ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ኢንዱስትሪ ጎጆ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተዋፈሩ ማናእሰይ ናብ ስራሕ ኣትዮም እዮም።

ምክትል ሓላፊት ቢሮ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ክእለትን ክልል ኦሮሚያ ወይዘሮ መገርቱ መሀመድ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ዓቕሚ ፈጠራ ስራሕ እቲ መንእሰይ ዘዕብዩ ኢንዱስሪታት ጎጆ ናብ ዓበይቲ ፋብሪካታት ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ደገፋት ክግበሩ እዮም።

ብፍላይ ድማ ኢንዱስትሪታት ጎጆ ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ዝኽእሉ ምዃኖም ብምግላፅ ኣብዚ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ብዝበለፀ ንክጠናኸሩ ኣድላይ ደገፋት ክግበሩ እዮም ኢለን።

ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ጎጆ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ስርሖም ንምስፍሕፋሕ ዝሕግዝዎም ደገፋት እታዎታትን ፋይናንስን ንክግበረሎም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝስራሕ እውን ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም