ኣብ ምርባሕ ደርሆን እንቋቑሖን ዝተዋፈሩ መናእሰይ ከተማ ኣርባምንጭ ዕዉታት ምዃኖም ገሊፆም

20



 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/9/2016/ኢዜአ/ልምዓት ሃፍቲ ደርሆ ዝለዓለ ረብሓ ካብ መንጎ ዘርክቡ ዘዋፅኡ ዘፈራት ግብርና ከተማ ብቐዳምነት ይፅራሕ።

ምርባሕ እንቋቑሖን ስጋን ደርሆ፣ ናይ ሓደ መዓልቲ ጫቍት ምዕባይ ዝኣመሰሉ ስራሕቲ ኣብ ዝተወሰነ ቦታ ዝለዓለ ረብሓ ዘርክቡን ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን ዓውድታት ምዃኖም ይግለፅ።

ዋንዛ መሰረታዊ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ምርባሕ ደርሆ

 ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ሴቻ ጫሞ መንደር ክልተ ውሽጢ ይርከብ 150 ሽሕ ኣኽስዮንን 120 ሽሕ ብልቓሕ ብዝተረኸበ መጀመሪ ካፒታልን 2013 . ተመስሪቱ።

ኣካቢት እቲ ማሕበር መንእሰይ ዘቢደር ከበደ ትምህርቲ ዛዚምና ስራሕ መንግስቲ ካብ ምፅባይ ዘለና ንእሽተይ ገንዘብ አዋህሊልና  ስራሕ እንተንፈጥር ዝሓሸ ምዃኑ ስለዝኣመንናሉ ኣብ 2013 . ተዋዲድና ትብል።

ነቲ ስራሕ እንትንጅምር ኹሉ ነገር ኣማሊእና ኣይነበረን ዝበለት መንእሰይ ዘቢደር ከበደ  ዘለና ናይ ስራሕ ሞራልን ምልዕዓልን ሒዝና ናብቲ ስራሕ ንምእታው ቤት ፅሕፈት ግብርና ከተማን ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማን መሬት ብምፍቃድ ንሕቶና መልሲ ስለዝሃበና ስራሕ ጀሚርና ክትብል ትገልፅ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት እናተራብሑ ካብ ዝርከቡ ደራሁ ብማእኸላይ 270 እንቋቑሖ ብመዓልቲ ከምዘፍርዩ ብምግላፅ 81 ሽሕ ብር ወርሓዊ ዘይተፃረየ ኣታዊ ከምዝረኽቡ ትዛረብ።

ብምርባሕ ደርሆን እንቋቑሖን ዝተጀመረ ስራሕ ዘርከቦ ረብሓ ድልየት ምግቢ ኣባላትን ስድራቤትን ካብ ምምላእ ብተወሳኺ ብዘርከቦ ትርፊ ንኻልኦት መርባሕቲ መቀነባበርን መሸጥን ምግቢ እንስሳት ኣጣይሾም ናብ ስራሕ ምእታዎም ትገልፅ ክብል ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ይሕብር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም