ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ጆዜ ማሲንጋ ዘቲየን

24

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/9/ 2016 /ኢዜአ/ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ጆዜ ማሲንጋ ዘቲየን።

እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓትን ዝጠመተ ዘተ ከምዝተኻየደ ተገሊፁ።

ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝካኣለሎም ዛዕባታት እወን ምልዛቦም ዝሓበራ ከንቲባ አዳነች ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከተማታት ኣሜሪካ ዘለዋ ርክብ አብ ምጥንካር ዝምልከት እውን  ምዝታዮም እተን ከንቲባ ኣብ ማሕባራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ ኣብሪሀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም