ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ዋና ፀሓፊ ትካል ደቡባዊ ምትሕብባር ዘትዮም

32

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 8/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ዋና ፀሓፊ ትካል ደቡባዊ ምትሕብባር ሼክ መንሱር ቢን ሙስሰላም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም።

እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እቲ ትካልን ዘሎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ኣብ ምዕባይ ዝጠመተ ምዃኑ ተገሊፁ።

መቐመጢኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበረ እቲ ትካል ፍልጠት ብምፍላቕ ሓቛፋይ ስርዓት ትምህርቲ ንክህነፅ ብብርኪ ዓለም እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣብቲ ዘተ ተሓቢሩ።

እቲ ትካል ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ማዕቐፍ ደቡብ-ደቡብ ምትሕብባር ትምህርቲ፣ቴክኒክ ገንዘብን ንምፍጣር እናገልገለ ምዃኑ ከምዝተገለፀ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም