ኢትዮ-ቴሌኮም ሓቛፋይ ዲጂታል ስርዓት ንምርግጋፅ ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ-ፍሬህይወት ታምሩ


 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 8/2016 (ኢዜኣ) ኢትዮ-ቴሌኮም ዲጂታል ፋይናንስ ሓዊሱ ሓቛፋይ ዲጂታል ስርዓት ንምርግጋፅ ዝጀመሮም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሎም ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢት-ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ገሊፀን።

ኢትዮ-ቴሌኮም "ቴሌ ብር-ኢንጌጅ" ዝተብሃለ ሓዱሽ መተግበሪ ትማሊ ምሸት ዕላዊ ገይሩ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢት-ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፤ እቲ ኣገልግሎት ዓማዊል ብተናፀልን ብጉጅለን ቀጥታ ዝርርብ ቢዝነስ ንምግባር፣ሓበሬታታት ዕድጊት ንምልውዋጥ፣ገንዘብ ንምልኣኽን ንምቕባልን ከምዘኽእል ተዛሪበን።

ብተወሳኺ እውን ማሕበራውን ናይ ቢዝነስን ጉዳያት ብፅሑፍ፣ብፎቶ፣ብድምፂ፣ብቪድዮን ብሰነድን ንምልውዋጥ ከምዘኽእል ሓቢረን።

ስርዓት ዲጂታል ፋይናንስ ተበፃሒ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መተግበሪ "ቴሌ ብር-ኢንጌጅ" ኣብ ሽግግር ዲጂታል ፋይናንስ ኣብ ንግዲ፣ትካላት ውልቀን መንግስትን ትኹረት ብምግባር ምህዳር ኢኮኖሚ ንምስፍሕፋሕ ዝሕግዝ እዩ ኢለን።

እቲ ኩባንያ ብብርኪ ሃገር ዝሃነፆም መሰረተ ልምዓታት ዲጂታል ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣብ ምሕጋዝ ዓብይ እጃም ከምዘለዎም ብምሕባር ኣብ ቀፃሊ እውን ሓደሽቲ ዲጂታል ኣገልግሎታት ተግባራዊ ንምግባር ከምዝሰርሕ ኣፍሊጠን።

ኢትዮ-ቴሌኮም ሓቛፋይነት ዲጂታል ፋይናንስ ንምዕባይ ቅድሚ 3 ዓመታት ዕላዊ ብዝገበሮ ቴሌ ብር በቢመዓልቱ 5 ቢልዮን ብር ዕድጊት ዝፍፀም እንትኸውን ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት 2 ነጥቢ 2 ትሪልዮን ብር ዝውውር ተገይርሉ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም