ንሸሞንተ መምሀሪ ሆስፒታላት ሰለስተ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚሊዮን ዩሮ ዘውፅእ ናውቲ ሕክምና ድጋፍ ተገይሩ

32


 

አዲስ አበባ/ሚያዝያ/8/2016/ኢዜአ/ መንግስቲ ጀርመን ብባንኪ ልምዓት ጀርመን ኣቢሉ ንሸሞንተ ዝለዓለ ትምህርቲ ዘምህሩ ሆስፒታላት ሰለስተ ነጥቢ ሽዱሽተ ሚሊዮን ዩሮ ዘውፅእ ናውቲ ሕክምና ድጋፍ ተገይሩ።

ንስፔሻሊስትታትን ቴክኒሻናትን ሓለዋ ጥዕና ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዓቕሚ ንምጉልባት ስልጠና ከምዝወሃብ 'ውን ተሓቢሩ።

ነቶም ናውቲ ሕክምና ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን፣ ተወካሊ ባንኪ ልምዓት ጀርመን፣ ሓለፍቲ ኤምባሲ ጀርመንን ሓለፍቲ ዘምህሩ ሆስፒታላትን ኣብ ዝተረኸብሉ ርኽክብ ተገይሩ።

እቲ ድጋፍ ጅማ፣ ደሴ፣ ኣርባምንጭ፣ ኣዳማ፣ መቐለ፣ ጥቁር ኣንበሳን ኻልኦት ሪፈራል ሆስፒታላትን ከምዝርከብዎ ተፈሊጡ።

እቲ ድጋፍ ዓቕሚ ሆስፒታላት ንምጥንኻር ዘኽእልን ንተምሃሮ ተግባር ተኮር ትምህርቲ ንምቕራብ ከምዝሕግዝን ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም