ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት 5 ሰባት ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ 13 ሰባት ድማ መጉዳእቲ አጋጢሙ

21


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/8/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ካፋ ወረዳ ጨና ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ 13 ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠመ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ሰዓት 330 ካብ ዋቻ ናብ ቦንጋ እናተጓዓዘት ዝነበረት ዶልፊን ተሸከርካሪትን ካብ ሚዛን ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዓዘት ዝነበረት ሲኖ ትራክ ተሸከርካሪትን ብምግጫወን ዘጋጠመ ኢዩ፡፡

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሓሙሽተ ተሳፈርቲ ህይወቶም እንትሓልፍ÷ ኣብ ልዕሊ 13 ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ሓበሬታ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል የመላኽት፡፡

መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ እቲ ቦታ ብተደጋጋሚ ሓደጋ ዝበፅሐሉ ቦታ ስለዝኾነ ኣሽከርከርቲ ጥንቃቐ ንኅገብሩ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም