ዝርግሓ ዘረባ ፅልአትን መረዳእታ ሓሶትን እናተጋደደን ጥፍአት እናስዓበን ይኸይድ ይስጉም አሎ -ባዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ

33



አዲስ አበባ/ ሚያዝያ /8/2016/ኢዜአ/፦ዝርግሓ ዘረባ ፅልአትን መረዳእታ ሓሶትን እናተጋደደን ጥፍአት እናስዓበን ይኸይድ ከምዘሎ ባዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ አፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ምውዛዕ ስኑዕ ሓባሬታን ዘረባታት ፅልኢን ዘለሉ ኩነታት ዝጠመተ ፀብፃብ መፅናዕታዊ ዳህሳስ ኣቕሪቡ።

ብመሰረት እዚ እቲ ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታን ዘረባታት ፅልኢን ብዝምልከት ብኽልተ መገዲታት ምእካቡ ገሊፁ።

ንሳቶም እውን፥ ፈላማይ ብፌስቡክ፣ ቲክቶክ፣ ቴሌግራም፣ -ቲዩብን ኤክስን ከምዝተኣከበ ኣብሪሁ።

ካልኣይ ድማ፥ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ዝተዘርገሐ መሕትትን ናፃ መስመር ስልኪን ብመጥቃም ከምዝተኣከበ ገሊፁ።

ናይዚ ምግዳድ፥ ብፍላይ ኣብ ውልቀ ሰባትን ደሕንነት ህዝብን ሓደጋ ዘንፀላለወ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ካብ መንጎ እቶም ፍልፍላት ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታን ዘረባታት ፅልኢን፥ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣክቲቪስታት፣ ፖለቲከኛታት፣ ፍልፍላት ማሕበራዊ ትሕዝቶታት ወልቀ ሰባትን ከምዝርከብዎም ተሓቢሩ።

ኣብ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዝተገበረ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ፥ ናይ ጭካነ ኣገላልፃ ዝረኣየሉ ዘይ ጭቡጥን ዘይክውንን ሓበሬታ ብልዑል ኩነታት ዝውስኸሉን ብፍላይ ብቴሌግራም 65 ሚኢታዊ ብፅሒት ምውዛዕ ከምዘለዎን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም