3 ቢሊየን ብር ዝቀራረብ  ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና – ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳ

27




ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/7/ 2016 /ኢዜአ/ 3 ቢሊየን ብር ብዝቀራረብ  ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም÷ ኣብ ቀረብን ፅሬትን ትካላት ጥዕና  እናተሰርሐ ብዘሎ  ሰፊሕ ስራሕ ካብ እዋን ናብ እዋን ፅቡቕ ምምሕያሽ እናተርአየ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ቀረብ መድሓኒትን መሳርሒታት ሕክምናን፣ ምምሐዳር ሓይሊ ሰብ፣ ደረጃ ትካላት ጥዕና ምዕባይን ዘለዉ ብምሕዳስን ለውጢ ከምዝተረኸበ እውን ኣልዒሎም።

ኢማጂንግ ሴንተር ብዝተባህለ ኢኒሼቲቭ 11 ክላስተር ስራሕ ንዝተወደቡ ሆስፒታላት ከም ሲቲ ስካን ዝበሉ ዓበይቲ፣ ክባራትን ወሰንቲን መሳርሒታት ሕክምና ምምላእ ከምዝተኸኣለ ገሊፆም፡፡

ናብ 3 ቢሊየን ብር ብዝፅጋዕ ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና፤ ካብዚ ብተወሳኺ ዘየቋርፅ ቀረብ አፋውስ ንምርግጋፅ ብዝተትሓዘ ትልሚ ሞዴል ፋርማሲታት ማሕበረሰብ 457 ምብፃሕ ክኢልና ኢሎም፡፡

ቁፅሪ ኣባላት መድሕን ጥዕና ሕብተሰብ ናብ 27 ነጥቢ 5 ሚሊየን ከምዝዓበየ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም