14 ሚልዮን መናእሰይ ኣብ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንክሳተፉ ብምግባር ንህንፀት ሃገርን ህዝብን ዝጠቕሙ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም

33

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 5/2016 (ኢዜኣ) 14 ሚልዮን መናእሰይ ኣብ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ንክሳተፉ ብምግባር ንህንፀት ሃገርን ህዝብን ዝጠቕሙ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ መናእሰይ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ዘላቒ ንምግባርን ማሕበር ሰናይ ፍቓድ መናእሰይ ብምጥያሽ ዓርሱ ዝኸኣለ ኣሰራርሓ እናተዳለወ ምዃኑ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ኣብ ሚኒስቴር ሰላም መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ገመቺሳ ቲቻ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ሃገራዊ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣርን ዘላቒ ህንፀት ሰላም ኣብ ምጥንኻርን መናእሰይ ኣስተዋፅኦ ንክገብሩ ዘኽእል ዓላማ ሒዙ ኣብ 2013 / እዩ ጀሚሩ።

መናእሰይ ኣብ ስራሕቲ ሰናይ ፍቓድ ዶብ ተሻገርቲ ብምስታፍ ምስቲ ማሕበረሰብ ምትእስሳር ንክፈጥሩ፣ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሓባራውነትን ንከጠናኽሩ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

ክሳብ ሕዚ መናእሰይ ኣብ 8 ዙራት ብምስልጣን ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ብምሕባር፤ መናእሰይ ንብሄራዊ ምርድዳእ እጃሞም ንክዋፅኡን ስምዒት ፍቕሪ ሃገሮም ንክጠናኸርን ከምዘኽኣለ ከም ኣብነት ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም