ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ወፃኢ ህንፀት ብምሽፋን 44 መንበሪ ኣባይቲ ብምግዛእ ንዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘበርከቱ ኣካላት ኣመስጊነን

27



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 5/2016 (ኢዜኣ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ 74.6 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ብምሽፋን 44 መንበሪ ኣባይቲ ብምግዛእ ንዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘበርከቱ ኣካላት ኣመስጊነን።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከባቢ እንጦጦ ንዝርከቡ ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣብ ውሽጢ ጫካ ንምንባር ኣብ ዘይምችዉ ቦታታት እናነበራ ንዝነበራ ኣዶታትን እቲ ምምሕዳር ከተማ ካብ ዘህነፆም መንበሪ ኣባይቲ ጉለሌ 44 ገዛውቲ በምግዛእ ደገፍ ገይሩ።

ካብቶም ደገፍ ዝገበሩ ኣካላት፦

1. ኤን ኮንስትራክሽን - 16.8 ሚሊዮን ብር ዓሰርተ ስቱዲዮ

2. ቶኩማ ስታር ቢዝነስ - 8.5 ሚሊዮን ብር ክልተ ስቱዲዮን ክልተ በዓል ሓደ መደቀስን

3. መሃመድ ሱጃጃ - 8.5 ሚሊዮን ብር ሓሙሽተ ስቱዲዮ

4. ጌታመሳይ ዘመድኩን - 8.5 ሚሊዮን ሓሙሽተ ስቱዲዮ

5. ኤም ደብልዩ ኣስ ትሬዲንግ - 8.5 ሚሊዮን ብር ሓሙሽተ ስቱዲዮ

6. ጀኔራል ትሬዲንግ ኤፍ - 8.5 ሚሊዮን ብር ሓሙሽተ ስቱዲዮ

7. ኖህ ሪል ስቴት- 5.3 ሚሊዮን ብር ክልተ በዓል ሓደ መደቀሲ መንበሪ

8. ዲሪባ ደፈርሻ - 4.2 ሚሊዮን ብር ሓደ ስቱዲዮን ሓደ በዓል ሓደ መደቀስን

9. ማህደር ገብረመድህን /የተ/የግ/ ኩባኒያ - 4.2 ሚሊዮን ብር ሓደ ስቱዲዮን ሓደ በዓል ሓደ መደቀስን

10. ኣኮርዲያ ኢንቨስትመንት ግሩፕ- 1.6 ሚሊዮን ብር ሓደ ስቱዲዮ ደገፍ ምግባሮም ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን።

̎እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ብሓፈሻ 74.6 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ህንፀት ብምሽፋን 44 መንበሪ ኣባይቲ ብምግዛእ ንዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ እቲ ከባቢ ስለዘወፈዩ የመስግን̎ ኢለን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ደገፍ ንምግባር ንዝደልዩ ሰብ ሃፍቲ እጃምሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም