ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ መፅንሒ ኣረጋዊያንን ማእኸል ሕክምና ህፃናትን ዑደት ኣሳሊጦም

28


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/5/ 2016 /ኢዜአ/ኣቦታት ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ መፅንሒ ኣረጋዊያንን ማእኸል ሕክምና ህፃናትን ዑደት ኣሳሊጦም።

ብተወሳኺ ኣብ ሆስፒታል ኢትዮ-ኢስታንቡል ዑደት ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፣ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሐጂ ኢብራሂም ቱፋ፣ ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌልን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ብርሃን ተድላ፥ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝመፅኡ ፀገም ልቢ ዘለዎም ህፃናት ናፃ ሕክምና ልቢ ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ህይወት ህፃናት ኣብ ምድሓን ከምዝርገብ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም