ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ከባቢ እንጦጦ ዝተሰርሐ ዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ጉሌሌ ተመሪቑ

26





 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/5/2016/ኢዜአ/ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ከባቢ እንጦጦ ንዝተሰርሐ ዝተዋደደ ልምዓት ጉለሌ ሎማዓንቲ ብምምራቕ ንአግልጋሎት ኽፍቲ ገይረን።

እቶም ፕሮጀክትታት ብዋናነት ኣብቲ ከባቢ ዕንፀይቲ ብምእራይ ንዝመሓደሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን  ኣብ ሓፂር ግዜ ውሽጢ ተጀሚሮም ዝተዛዘሙን ስራሕቲ ልምዓት 'ዮም።

ዝተዋደደ ልምዓት ጉለሌ ኣብ ውሽጡ:-ጉለሌ መንበሪ ቑሸት፤

ማእኸል እንጀራ ጉለሌ፤ ጉለሌ ማእኸል ፀባ ከምኡ እውን ማእኸል ምገባ ይርከቦ።

ብሓፈሻ ኣብ ዝተዋደደ ስራሕቲ ልምዓት ንሓደ ሽሕን 533 ነበርቲ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም