ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ ሜላታት

27

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/3/ 2016 /ኢዜአ/ ዓው ዝበለ ምሕርናኽ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ obstructive sleep aponia (OSA) ተባሂሉ ዝፅዋዕ ምዝባዕ ድቃስ ዝተሓሓዝ እንትኸውን ኣብዚ ግዜ ምስትንፋስ ጠጠው ከም ዝብልን እዚ ድማ ኣብ እዋን ድቃስ ከም ዘጋጥምን ሰብ ሞያ ይገልፁ።

እዚ ምዝባዕ፥ መንደቕ ጕሮሮና ክዛነን ክፀብብን ብምግባር ንቡር ምስትንፋስ ብምቁራፅ ዋሕዲ ኦክስጅን የስዕብ።

ስለዝኾነ ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ ሜላታት እዞም ዝስዕቡ ምዃኖም ሰብ ሞያ ይምዕዱ።

ክብደት ሰብነት ምጉዳል፣ ብጐድኒ ምድቃስ፣ ቅድሚ ምድቃስካ ኣልኮላዊ መስተ ምውጋድ ከምኡውን ምዕሩይ ድቃስ ምልምማድ ምሕርናኽ ደው ንምባል ዝሕግዙ መሜላታት ኢዮም ይብሉ።

ምሕርናኽ ደው እንተዘይኢሉ ግን፥ ምልክት ምቍራፅ ምስትንፋስ ክኸውን ስለ ዝኽእል ንበዓል ሞያ ጥዕና ምምኽኻር ኣገዳሲ እዩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም