ኮማንድ ፖስት ባህርዳር ጎንደር ልእኽቶኡ ብቖራፅነት ብምውፅኡ ኣብቲ ክልል ኣንፃራዊ ሰላም ምምፃእ ተኻኢሉ - ኢዜአ ትግርኛ
ኮማንድ ፖስት ባህርዳር ጎንደር ልእኽቶኡ ብቖራፅነት ብምውፅኡ ኣብቲ ክልል ኣንፃራዊ ሰላም ምምፃእ ተኻኢሉ
አዲስ አበባ/ሚያዚያ/2/2016/ኢዜአ/ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ህዝቢ እቲ ክልልን እቲ ኮማንድ ፖስትን ብዝወሰድዎ ዝተዋደደ ስጉምቲ ኣንፃራዊ ሰላም ምምፃእ ተኻኢሉ ክብሉ ምክትል ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ጀነራል ኣበባው ታደሰ ተዛሪቦም።
ጀነራል ኣበባው ታደሰ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እዚ ሰሜን ምዕራብ፣ ምስ ኣመራርሓታት ኮማንድ ፖስት ምምሕዳር ከተማ ማእኸላይ ጎንደርን ወረዳን ኣብ ኩነታት ፀጥታ ዙርያን ኣብ ኣንፈታት ጠመተ ቐፃልን ዘትዮም።
ኣብቲ ዘተ ህልዊ ኩነታት ሰላም እቲ ከባቢ ብዝለዓለ ደረጃ ምምሕያሽ ኣርእዩ። እቲ ፅንፈኛ ሓይሊ ብዝተወሰዶ ጥንኩር ስጉምቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓቕሙ ስኢኑ ይርከብ፤ በዚ ምኽንያት 'ውን ፀባይ ሽፍታነት ንምልባስ ከምዝተገደደ ተዛሪቦም።
ምክትል ኢታማዦር ሹም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ጀነራል ኣበባው ታደሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ብዘላቕነት ክቕፅል ንምግባር በቢ ብርኩ ዘሎ ኣመራርሓ ዞባን ወረዳን ሓላፍነቱ ብቖራፅነት ክዋፃእ ከምዝግባእ ምትሕስሳቦም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ዝተረኸበ መረዳእታ ይሕብር።