ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዳዊ ሸኔ ዝተዋደደ ስጉምቲ እናተወሰደ 'ዩ-ሓላፊ ፖለቲካ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኦሮሚያ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዳዊ ሸኔ ዝተዋደደ ስጉምቲ እናተወሰደ 'ዩ-ሓላፊ ፖለቲካ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኦሮሚያ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም
አዲስ አበባ/ሚያዝያ/2/2016/ኢዜአ/ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዳዊ ሸኔ ይውሰድ ብዘሎ ዝተዋደደ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ዝለዓለ ቁሳውን ሰብኣውን ጉድኣት እናበፅሐ ምዃኑ ሓላፊ ፖለቲካ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኦሮሚያ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም።
ዶክተር ቢቂላ ንትፕኢ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሸኔ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ከባቢታት ኦሮሚያ ኹሎም ብኣካላት ፀጥታ ፌደራልን እቲ ክልል ብምውዳድ ስጉምቲ እናተወሰደ ይርከብ።
በዚ ዝተዋደደ ስጉምቲ 'ውን ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ጉጅለ ኢድ ሂቦም። ብዙሓት ኣፅዋራት 'ውን ናብ መንግስቲ ኣታዊ ተገይሮም።
እቲ ናይ ሕዚ ዝተዋደደ ስጉምቲ ንክልል ኦሮሚያ ዘላቒ ሰላም ከምዘምፅእ ፅኑዕ ተስፋ ከምዘለዎም ኣመላኺቶም።