ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ስነ-ስርዓት ዒድ ሶላት ብፍቕሪን ሕብረትን ንኽኽበር ንዘተሓባበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪበን - ኢዜአ ትግርኛ
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ስነ-ስርዓት ዒድ ሶላት ብፍቕሪን ሕብረትን ንኽኽበር ንዘተሓባበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪበን
172
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/2/ 2016 /ኢዜአ/ከንቲባ ርእሰ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስነ-ስርዓት ዒድ ሶላት መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብፍቕሪን ሕብረትን ንኽኽበር ንዘተሓባበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪበን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ “ሎሚ መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብፍቕሪን ሕብረትን ብድምቀት ተኸቢሩ” ኢለን።
“እዚ ንዘተሓባበርኩም ኣካላት ብሽመይን ብሽም እቲ ምምሕዳር ከተማን ልባዊ ምስጋናይ የቅርብ” ክብላ ገሊፀን።