ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

24

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/1/ 2016 /ኢዜአ/ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ፣  መበል 1 ሺሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብግደኦም÷ ሓቢርካ ጠጠው ናይ ምባልን ምትሕስሳብን ባህልና ብምጥንኻር ሓድነትና ክነጎልብት ይግባእ ክብሉ አረዲኦም

ተኸተልቲ እቲ እምነት ኣብ ወርሒ ረመዳን እናገበሩዎ ዝፀንሑ ተግባር እዝነት ክቕፅለሉ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ ዒድ ኣል-ፈጥር ህዝበ ሙስሊም ናይ ኩሎም ሰናይ ስራሕቲ ዝኾነ ወርሒ ረመዳን ብምፍናው፣ ፆም ብምፍጣር ብሓጎስ፣ ብምትሕስሳብን ብምትሕዝዛንን ዘኽብሮ በዓል ከምዝኾነ በምግላፅ፤ እንኳዕ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም።

ህዝበ ሙስሊም ኣብ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ንቑሕ ተሳታፊ ብምዃን ግዴታኡ ብግቡእ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ናይ ምትሕስሳብ፣ ምትሕትታት፣ ምርድዳእን ናይ ምትሕብባርን በዓል ከምዝኾነ ዝገለፁ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ጥላሁን ከበደ ኢዮም፡፡

ህዝበ ሙስሊም ኣብ ቅዱስን ዓብዪ ወርሒ ረመዳንን ንኢትዮጵያ ሰላምን ፀጋን፣ ንህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ወርሒ ሙሉእ ብፆምን ዱዓን አሕሊፉ ካብ ፈጣሪ እዝነትን በረከትን ዝቅበለሉ ፍሉይ ዕለት ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም