ታይዋን፡ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ዝሓየለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ አጋጢምዋ

186

ኣርባዕተ ሰባት ቀቲሉ ተባሂሉ።

እቲ 7.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብታ መበገሲ ምንቅጥቃጥ ዝዀነት ከተማ ሁዋሊን፡ ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ብዙሓት ህንጻታት ከምዝፈረሱ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተደጋጋሚ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተራእየ ዀይኑ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣስታት 5 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ኣብታ ሓውሲ ደሴት ዘጋጠመ ዝሓየለ ዝተበሃለ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብሓያል ምህማም-መሬት ዝተናወጸ ኣኽራናዊ ውሽጣዊ ክፋል ታይዋን እውን ተሰሚዑ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ታይፐይ፡ ህንጻታት ክነቓነቑ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስልታት ተዘርጊሑ።

"እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ናብ መሬት ዝቐረበ ኰይኑ፡ ከቢድ'ዩ። ኣብ መላእ ታይዋንን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ደሴታትን ተሰሚዑ'ሎ። ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት እቲ ዝሓየለ'" ይብል ዳይረክተር ማእከል ስነ-ምድራዊ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ታይፐይ ቺየን ፉ።

ሃገራዊ ትካል መጥፋእቲ ሓዊ ከምዝበሎ፡ ኣብ ከባቢ ሓደ ሃገራዊ ፓርክ ሓደ ሞይቱ ካልኦት ሰለስተ ድማ ቆሲሎም።

ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቘሰሉ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ህንጻታትን ገለርያታት ተዓጽዮም ከምዘለዉ እቲ ትካል ወሲኹ ሓቢሩ።

ታይዋናዊ ትካል ምፍራይ ቺፕ [TSMC] ንድሕነት ሰራሕተኛታቱ ክብል፡ ኣብ ገለ ደቡባዊ ታይዋን ዝርከባ ገለ ፋብሪካታቱ ክዓፁ ተገዲዱ ኣሎ።

ቲኤስኤምሲ፡ ንኣፕልን ኤንቪድያን ሓዊሱ ንዓለማዊ ትካላት ቴክኖሎጂ ዝኸውን ሰሚኮንዳክተራት ዝሰርሕ ዓቢ ኣፍራዪ ትካል እዩ።

ኣቕራቢ ትካል ኣፕል ፎክስኮን ንሕቶ ቢቢሲ ርእይቶ ኣይሃበን።

ኣብ ታይፐይ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ዝተሳእሉ ተንቀሳቓሲ ምስልታት፡ ዝፈረሱ መንበሪ ህንጻታትን ሰባት ካብ ገዛኦምን ኣብያተ ትምህርቶምን ክሃድሙ የርእዩ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንመካይን ከም ዝሰባበረን ንውሽጢ ድኳናት ኣቝሑ ከምዘናወጸን ብናይቲ ከባቢ ፈነወ ቲቪቢኤስ ዝተመሓላለፈ ጸብጻብ የመልክት።

ኣብ መላእ እታ ደሴት ምቍራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኢንተርነትን ከምዝተራእየ ተቘጻጻሪ ኢንተርነት ኔትብሎክስ ሓቢሩ።

14 መጋቢት ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ - ኤርትራ፡ 4.9 ሬክተር ዝዓቐኑ ዝተራእየ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ዕዲ ዝተበሃለት ሓውሲ ከተማ ንሸነኽ ምዕራብ 70 ኪሎሜተር ርሒቑ ዘጋጠመ ነይሩ።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ሰብን ንብረትን ዘውረዶ ጉድኣት እንተዘይተገልጸ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ጅቡትን የመንን ከምዝተሰመዐ ኣይዝንጋዐን።

እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኣስመራ፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ዓሰብ፡ ደቀምሓረ፡ መንደፈራ፡ ዓዲ ግራት፡ መቐለ፡ ኣኽሱም፡ ሽረ እንዳስላሴን ማይጨውን ብመጠኑ ከምዝተሰምዐ ተሓቢሩ ነይሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም