ኔትወርክ ሰብ ሞያ ፋይናንስ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ብዕሊ ተጣይሹ

45


 

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 19/2016 (ኢዜኣ) ተረባሕነት ፋይናንስ ደቂ ኣንስትዮ ዘዕቢ ኔትወርክ ሰብ ሞያ ፋይናንስ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ(ኒውፊን) ብዕሊ ተጣይሹ።

ኔትወርክ ሰብ ሞያ ፋይናንስ ደቂ ኣንስትዮ (ኒውፊን) ብምትሕብባር ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ዝተጣየሸ እንትኸውን ተረባሕነት ፋይናንስ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ዓውዲ ናብ ኣመራርሓ ንክመፃ ዝሕግዝ እዩ ተባሂሉ።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓቛፋይ ፋይናንስ ኣብ መንጎ ኣወዳትን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ እጃም ተረባሕነትን ተሳትፎን ተመጣጣኒ ኣይኮነን።

ስለዝኾነ እውን ስትራቴጂ ሓቛፋይ ፋይናንስ ኣብ መንጎ ኣወዳትን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ኣፈላላይ ንምፅባብ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።

ሓቛፋይነት ፋይናንስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ እዚ ኔትዎርክ ምጥያሹ ዓብይ ረብሓ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

ዕላማ እቲ ኔትዎርክ ንደቂ ኣንስትዮ ብኩለ መዳያዊ መልክዑ ዘብቅዕን ማዕርነት ፃታ ዘረጋግፅን ዓውዲ ፋይናንስ ምጥንኻር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ነዚ ፃዕሪ ባንኪ ዓለም ንዝገበሮ ደገፍ ንኢዶም።

 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም