ኢንዱስትሪታት ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ክስራሕ ኢዩ - አይተ መላኩ ኣለበል

22


ኣዲስ
ኣበባ/ መጋቢት/18/ 2016 /ኢዜአ/ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ከምዝስራሕ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ አይተ መላኩ ኣለበል አፍሊጦም፡፡

እቶም ሚኒስትር ከይዲ ምፍራይ ተሽከርከርቲ ሳፋሪ ዝርከበሉ ብርኪ ተዓዚቦም፡፡

ኣብ እዋን እቲ ዑደት÷ ምስ ምፍራይ ከይዲ ተተሓሒዙ መብዛሕተኦም ሜካኒካል ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ዝተረፉ እዋናት እቲ ፍርያት ፅሬትን ደረጃን ብዝሓለወ መልክዑ ምዝዛም ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ ምባሎም እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዘጋጥሙዎም ማሕለኻታት ንምፍታሕ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ከምዝስራሕ እቶም ሚኒስትር ኣረጋጊፆም፡፡

ናይ ውሽጢ ሃገር ኣፍረይቲ ንምትብባዕ ንፍርያት ውሽጢ ሃገር ቅድሚት ንመሃብን ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት÷ ኣብ ዓውዲ ኣውቶሞቲቭ ሳፋሪ ተሽከርከርቲ ንምፍራይ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ ተባሂሉ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም