ኣብ ክብሪታት ሰብኣዊነትን ምሕረትን ምትእምማን ሕዚ ንዓና ኣዚዩ ጠቓሚ ነገር ኢዩ” -ፕሬዚዳንት ፑቲን

97

 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/18/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ሰብኣዊነትን ምሕረትን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ኣዳራሽ ከተማ ክሮከስ ዝተፈፀመ መይቃዕቲ ስዒቡ እቶም ፕሬዚዳንት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኣተሓሳስባታት ሰብኣዊነትን ምሕረትን ፍሉይ ረብሓ አለዎም ኢሎም፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት እዚ ዝበሉ ኣብ ሞስኮ መውፃእቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዳውያን መቕፃዕቲ ሞት ንምውሳን እቲ ሕጊ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ክትዕ ምግጣሞም ስዒቡ ኢዩ።

ኣብ ክሬምሊን ንመናእሰይ ኣርቲስታትን መምህራንን ክብሪ ንመሃብ ኣብ ዝተሰናደአ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስምዑ ፕሬዚዳንት ፑቲን÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሞስኮ እንግዶት ሙዚቃ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ልዕሊ 130 ሰባት እንትሞቱ ብዙሓት ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ኣልዒሎም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ክብሪታት ሰብኣዊነትን ምሕረትን ምትእምማን ሕዚ ንዓና ኣዚዩ ጠቓሚ ነገር ኢዩ ኢሎም፡፡

ኩሉ ግዘ ብሓድነትን ብጥንካረን ጠጠው ንምባል ቆራፅ ውሳነ ዘለና ህዝቢታት ኢና ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ መጥቃዕቲ ዘብፅሑ ዝተጎድኡ ብምሕጋዝ ሓደ ክንከውን ገይሮምና ኢዮም ክብሉ ምዝራቦም አርቲ ፀብፂቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም