ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 622 ነጥቢ ትሽዓተ ሚሊዮን ብር ተመሊሱሉ

30

 

አዲስ አበባ/መጋቢት/17/2016/ኢዜአ/ ብምኽንያት ብልሽት ሲስተም ብዘይኣግባብ ካብ ዝተወሰደ ልዕሊ 801 ሚሊዮን ብር ውሽጢ 622 ነጥቢ ትሽዓተ ሚሊዮን ብር ከምዘምለሰ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ፕሬዝዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ኣቤ ሳኖ ሎማዓንቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ግዜ ብምኽንያት ብልሽት ሲስተም ዝተወሰዶ 801 ሚሊዮንን 417 ሽሕን 800 ብር 'ዩ።

ካብዚ ውሽጢ 'ውን ነቲ 622 ነጥቢ ትሽዓተ ሚሊዮን ብር ከምልስ ኽኢሉ።

 እዚ 'ውን ካብ ዝተወሰደ ገንዘብ 78 ሚኢታዊ ምዃኑ ገሊፆም።

490 ሽሕ ዕድጊት ተፈፂሙ ከምዝነበረ ከምዘፍለጡ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ኣቤ ሳኖ፤ እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ሓንቲ ከይተረፈ ናይ ምምላስ ኸይዲ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም