መፍረያይነት ዓውዲ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትርን ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ንምዕባይ ብትኹረት ክስራሕ እዩ

28




ቡታጅራ/መጋቢት 17/2016 (ኢዜኣ) ብወፍሪ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝምዝገብ ዘሎ መፍረያይነት ዓውዲ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትርን ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እውን ንምቕፃል ከምዝስራሕ ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትርን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ክልላዊ መድረኽ ወፍሪ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብ ከተማ ቡታጅራ ይካየድ ኣሎ።

ሓላፊ ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትርን ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣባስ መሐመድ ከምዝበልዎ፤ ከም ሃገር ብሓዱሽ ኣተሓሳስባ ዝተጀመረ ወፍሪ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓውዲ ኢንቨስትመንትን ኢንዱሰትርን ንክነቓቓሕ እናገበረ እዩ።

ከም ሃገር ኣብቲ ዓውዲ ዝምዝገብ ዘሎ መፍረያይነት ኣብቲ ክልል እውን ንምቕፃልን ንምጥንኻርን ብትኹረት ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

እቲ ዓውዲ ዘጋጠምዎ ፈተናታት ብምሽጋር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበፅሐሉ ብርኪ ንክበፅሕ መንግስቲ ፌዴራል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ፤ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን መተሓባበሪ ማሕበራዊ ክላስተርን እቲ ክልል ኣይተ ኣንተነህ ፍቃዱ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ወይዘሮ ፋጤ ሰርሞሎ፣ተፀዋዒ መንግስቲ እቲ ክልል ዶክተር ዲላሞ ኦቶሬ፣ሓለፍቲ ቢሮ፣ኣመሓደርቲ ዞባታትን ወረዳታትን ተረኺቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም