ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ናብራ ህዝቢ የመሓይሹ አለዉ -ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ

27

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/17/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ናብራ ህዝቢ የመሓይሹ ከምዘለዉ ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ገሊፆም።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቅድሚ ለውጢ ኣብ ዓውዲታት ግብርናን ኢንዱስትሪን ጥራሕ ተሓፂሩ ዝፀንሐ ኢኮኖሚ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ምስፋሕ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ውሕስነት ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ፣ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍሪያታት ብናይ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ምትካእ፣ ንሰደድ ወፃኢ ዝውዕሉ ፍሪያታት ብስፍሓት ኣብ ምፍራይን ፍልፍል ምፍጣር ዕድል ስራሕ ክኸውን ኣብ ምግባርን ክስራሕ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።

ግብርና ካብ ፅግዕተኝነት ዝናብ ንምልቓቕ ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ኣብዝሓ ከባቢታት እቲ ክልል ኣብ ዓመት ክልተ ሰለስተ ግዘ ምሕራስ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ናብራ ሓረስቶት እቲ ክልል ጭቡጥ ለውጢ ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ኣብ ቤት ትምህርቲ እውን ኣብ 2016 . 5 ነጥቢ 3 ሚሊየን ተምሃሮ ተረባሕቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ 1 ሺሕን 500 ትካላት ጥዕና ከምዝተሃነፃን ህንፀት ኬላታት ጥዕና ካልኣይ ትውልዲ ብስፍሓት ይካየድ ከምዘሎ ኣረዲኦም ክብል ኢዜአ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም