ኣብ ክልል ጋምቤላ ስራሕቲ ቴክኖሎጂታት ምልማድ ግብርና እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

27

አዲስ አበባ/መጋቢት/17/2016/ኢዜአ/ ኣብ ክልል ጋምቤላ ሓረስቶትን ብኽፋል ኣርቢሖም ዝሓድሩን ዘመናዊ ኣተሓራርሳ ንኽለምዱ ቴክኖሎጂታት ግብርና ናይ ምልማድ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል 13 ወረዳታትን ንምምሕዳር ከተማ ጋምቤላን ርኽክብ ትራክተር ኣካይዱ።

ተወካሊ ርእሰ-ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጁል ናንጋል ኣብቲ ርኽክብ ከምዝበልዎ፤ እቶም ትራክተራት ሕርሻ ኣብቲ ክልል መፍረያይነት ብምዕባይ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተትሕዘ ሽቶ ንኽዐወት ዕዙዝ ተራ ኣለዎም ኢሎም።

እቶም ሓረስቶትን ክፋል ኣርቢሖም ዝሓድሩን ንዘልዕልዎም ሕቶታት ትራክተር ሕርሻ መልሲ ዝህብ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም