ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጥም ዘሎ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ህዝቢ ብትዕግስቲ ንክፅበ ተሓቲቱ

35

 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/16/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጥም ዘሎ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ህዝቢ ብትዕግስቲ ንክፅበ ተሓቲቱ።

እቲ ምቁርራፅ ብምኽኒያት ስራሕቲ ምዝውዋር መስመር ኤሌክትሪክ ዝተፈጠረ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ስራሕቲ እንትፍፀም ልዑል ጥንቃቐ ንምግባር ከምኡውን ሓደጋ ንከየጋጥም ኣብቶም ከባቢታት ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክቋረፅ ብምግባር ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ሓልሓሊፉ ንዝተወሰኑ ሰዓታት ይቋረፅ ከምዘሎ እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ነዚ ብምግንዛብ ዘጋጥም ዘሎ ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ብትዕግስቲ ንክፅበ ተሓቲቱ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም