አሽከርከርቲ መካይን ካብ 4 ኪሎ ናብ ፒያሳ ዘሎ ህንፀት መገዲ ክሳብ ዝዛዘም ኣማራፂታት መገዲ ንክጥቀሙ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ

30


ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/16/ 2016 /ኢዜአ/አሽከርከርቲ መካይን ካብ 4 ኪሎ ናብ ፒያሳ ዘሎ ህንፀት መገዲ ክሳብ ዝዛዘም ካብ 16 መጋቢት 2016 . ጀሚሩ ኣማራፂታት መገዲ ንክጥቀሙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ።

ብመሰረት እቲ መታሓሳሰቢ፦

ካብ 4 ኪሎ ናብ ራስ መኮንን ድልድይ

ካብ መብራህቲ ትራፊክ ደጎል ኣደባባይ ናብ 4 ኪሎ

ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስጊዮርጊስ ናብ ራስ መኮንን ድልድይ

ካብ ደጃች ውቤ ናብ ራስ መኮንን ድልድይ

ካብ ኣፍንጮ በር ናብ ራስ መኮንን ድልድይ

ካብ ባሻወልዴ ችሎት ናብ ራስ መኮንን ድልድይን ካብ ቀበና ናብ ፒያሳን ዘሽከርክሩ አሽከርክርቲ መካይን እቲ መገዲ ኣብ ህንፀት ከምዝኾነ ተገንዚቦም ካልኦት ኣማራፅታት መገዲ ንክጥቀሙን ንትእዛዝ ኣባላት ትራፊክ ፖሊስ ሙእዙዛት ንክኾኑን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ አመላኪቱ አሎ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም