ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ብቅጽበት ደው ክብል ሓዲሽ ጻውዒት ኣቕሪቦም - ኢዜአ ትግርኛ
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ብቅጽበት ደው ክብል ሓዲሽ ጻውዒት ኣቕሪቦም
አዲስ አበባ/መጋቢት/16/2016/ኢዜአ/ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ብቅጽበት ደው ክብል ሓዲሽ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ኣንቶንዮ ጉተረስ ብሸነኽ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ክፋል ራፋሕ ኮይኖም ኣብ ዘስምዐዎ መደረ “ሕዚ ኩሉ ዓይነታት ምልውዋጥ ተዅሲ ደው ዝብለሉ ግዜ’ዩ” ድሕሪ ምባል እስራኤል ናብ ቓዛ ገደብ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽኣቱ ከተፍቕድ ጸዊዖም።
ብሕቡራት ሃገራት ዝድግፍ ትካል ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣብ ቓዛ 1.1 ሚልዮን ሰባት ናብ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ጥምየትን ዓጸቦን ተቃሊዖም ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ጽባሕ እቲ ኣሜሪካ፡ ሓማስ ጅሆ ዝሓዞም ክፍንዎም እስራኤል ከኣ ተዅሲ ደው ከተብል ዘቕረበቶ እማመ፡ ብሩስያን ቻይናን ድሕሪ ምንጻጉ’ዩ ናብ ራፋሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።
ጉተረዝ “ቓዛ ብሰብኣዊ ሓገዛት ከተዕልቕልቕ ሕዚ ግዚኡ’ዩ፡ እቲ ሕርያ ወይ ረድኤት ምእታው ወይ ሰባት ብጥምየት እናሃለቑ ስቕ ኢላካ ምርኣይ’ዩ።
ብወገን ግብጺ ናብ ቓዛ ክኣተዋ ዝተዳለዋ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ምኽልካል ዘይሞራላዊ’ዩ” ድሕሪ ምባል እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ክፍትሑ’ውን ጸዊዑ።
ጉተረዝ “ኣብ ቓዛ ዘለኹም ፍልስጤማውያን በይንኹም ዘይምዃንኩም ክሕብረኩም እፈቱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝወርድ ዘሎ ኣሰንባዲ ነገር ይምስክር ኣሎ፤ ኣብ ቓዛ ዘለኹም ፍልስጤማውያን ኣብ ዘየቋርጽ ኣባህራሪ ኵነት ከምዘለኹም ንፈልጥ ኢና” ኢሎም።
ጉተረዝ ምስ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሁጎ ባቸጋ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት እስራኤል ነቲ ናብ ቓዛ ረድኤት ከይኣቱ ኣንቢራቶ ዘላ ክልከላ ከተልዕል ኣለዋ ኢሎም።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጸኢ እስራኤል ካትዝ፡ ንመግለጺ ጉተረዝ ኣምልኪቱ ብኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣብ ዝሃቦ ምላሽ “ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ቓዛ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፡
ራፋሕ ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ዝመሓላለፈላ ቀንዲ ቦታ’ያ፡ እንተኾነ እቲ ቦታ ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ ቓዛ ንኽኣትዋ ካብ እስራኤል ፍቓድ ክውሃበን ብዝጽበያ ዓበይቲ መካይን ኣዕለቕሊቑ’ዩ ዝርከብ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ሃገራት ምዕራብን እስራኤል ኣብ ምሃብ ፍቓድን ኣብ ተፍትሽን ትወሰዶ ዘላ ግዜ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ቓዛ ብቅልጡፍ ንከይኣቱ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ብምባል ንእስራኤል ብተደጋጋሚ ክኸስዋ ይስምዑ’ዮም።
ኲናት ቓዛ፡ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1,200 ሰባት ቐቲሎም 253 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስ ከዱ’ያ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከተካይድ ጀሚራ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስተሪ ጥዕና፡ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ካብ ዝጅመር ኣብ ቓዛ ላዕሊ 32 ሽሕ ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረትን ነፈርትን እስራኤል ከምዝተቐተሉ ይሕብር።
ጉተረዝ እስራኤል ንራፍሕ ብኣጋር ናይ ምጥቃዕ መደብ ከምዘለዋ ኣብ ዝገለጽትሉ’ዩ ናብቲ ቦታ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ።
ፍርቂ ካብቶም 2.3 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ራፋሕ’ዮም ተዓቒቦም ዘለዉ።
እስራኤል መራሕቲ ሓማስ ኣብቲ ቦታ’ዮም ተሓቢኦም ዘለዉ ክትብል እንተላ ቦጦሎኒታት ሓማስ’ውን ካብቲ ቦታ ብምብጋስ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ይርከባ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ነቲ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ መጥቃዕቲ ከይፍጽም ዝቐርበሉ ዘሎ ምሕጽንታን ነቀፌታትን ዕሽሽ ብምባል “እስራኤል ንዝወጠነቶ ኲናት ብዓወት ካብ ምዝዛም ዝኾነ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ደው ኣየብላን’ዩ” ብምባል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ መጥቃዕቲ ካብ ምፍጻም ደው ዘብሎ ነገር ከምዘየለ ገሊጹ ኣሎ።