ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ብቅጽበት ደው ክብል ሓዲሽ ጻውዒት ኣቕሪቦም

87


 

አዲስ አበባ/መጋቢት/16/2016/ኢዜአ/ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ብቅጽበት ደው ክብል ሓዲሽ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣንቶንዮ ጉተረስ ብሸነኽ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ክፋል ራፋሕ ኮይኖም ኣብ ዘስምዐዎ መደረሕዚ ኩሉ ዓይነታት ምልውዋጥ ተዅሲ ደው ዝብለሉ ግዜድሕሪ ምባል እስራኤል ናብ ቓዛ ገደብ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽኣቱ ከተፍቕድ ጸዊዖም።

ብሕቡራት ሃገራት ዝድግፍ ትካል ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኣብ ቓዛ 1.1 ሚልዮን ሰባት ናብ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ጥምየትን ዓጸቦን ተቃሊዖም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ጽባሕ እቲ ኣሜሪካ፡ ሓማስ ጅሆ ዝሓዞም ክፍንዎም እስራኤል ከኣ ተዅሲ ደው ከተብል ዘቕረበቶ እማመ፡ ብሩስያን ቻይናን ድሕሪ ምንጻጉ ናብ ራፋሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ጉተረዝቓዛ ብሰብኣዊ ሓገዛት ከተዕልቕልቕ ሕዚ ግዚኡዩ፡ እቲ ሕርያ ወይ ረድኤት ምእታው ወይ ሰባት ብጥምየት እናሃለቑ ስቕ ኢላካ ምርኣይዩ።

ብወገን ግብጺ ናብ ቓዛ ክኣተዋ ዝተዳለዋ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ምኽልካል ዘይሞራላዊድሕሪ ምባል እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ክፍትሑውን ጸዊዑ።

ጉተረዝኣብ ቓዛ ዘለኹም ፍልስጤማውያን በይንኹም ዘይምዃንኩም ክሕብረኩም እፈቱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ነቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝወርድ ዘሎ ኣሰንባዲ ነገር ይምስክር ኣሎ፤ ኣብ ቓዛ ዘለኹም ፍልስጤማውያን ኣብ ዘየቋርጽ ኣባህራሪ ኵነት ከምዘለኹም ንፈልጥ ኢናኢሎም።

ጉተረዝ ምስ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሁጎ ባቸጋ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት እስራኤል ነቲ ናብ ቓዛ ረድኤት ከይኣቱ ኣንቢራቶ ዘላ ክልከላ ከተልዕል ኣለዋ ኢሎም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጸኢ እስራኤል ካትዝ፡ ንመግለጺ ጉተረዝ ኣምልኪቱ ብኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣብ ዝሃቦ ምላሽሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ቓዛ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፡

ራፋሕ ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት ዝመሓላለፈላ ቀንዲ ቦታያ፡ እንተኾነ እቲ ቦታ ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ ቓዛ ንኽኣትዋ ካብ እስራኤል ፍቓድ ክውሃበን ብዝጽበያ ዓበይቲ መካይን ኣዕለቕሊቑ ዝርከብ።

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን ሃገራት ምዕራብን እስራኤል ኣብ ምሃብ ፍቓድን ኣብ ተፍትሽን ትወሰዶ ዘላ ግዜ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ቓዛ ብቅልጡፍ ንከይኣቱ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ብምባል ንእስራኤል ብተደጋጋሚ ክኸስዋ ይስምዑዮም።

ኲናት ቓዛ፡ ሓማስ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣስታት 1,200 ሰባት ቐቲሎም 253 ሰባት ጅሆ ሒዞም ምስ ከዱ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከተካይድ ጀሚራ።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስተሪ ጥዕና፡ ኲናት ሓማስን እስራኤልን ካብ ዝጅመር ኣብ ቓዛ ላዕሊ 32 ሽሕ ሰባት ብደብዳብ ከቢድ ብረትን ነፈርትን እስራኤል ከምዝተቐተሉ ይሕብር።

ጉተረዝ እስራኤል ንራፍሕ ብኣጋር ናይ ምጥቃዕ መደብ ከምዘለዋ ኣብ ዝገለጽትሉ ናብቲ ቦታ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ

ፍርቂ ካብቶም 2.3 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ራፋሕዮም ተዓቒቦም ዘለዉ።

እስራኤል መራሕቲ ሓማስ ኣብቲ ቦታዮም ተሓቢኦም ዘለዉ ክትብል እንተላ ቦጦሎኒታት ሓማስውን ካብቲ ቦታ ብምብጋስ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ይርከባ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ነቲ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ መጥቃዕቲ ከይፍጽም ዝቐርበሉ ዘሎ ምሕጽንታን ነቀፌታትን ዕሽሽ ብምባልእስራኤል ንዝወጠነቶ ኲናት ብዓወት ካብ ምዝዛም ዝኾነ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ደው ኣየብላንብምባል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ መጥቃዕቲ ካብ ምፍጻም ደው ዘብሎ ነገር ከምዘየለ ገሊጹ ኣሎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም