ኣብ ፍቕሪ ሃገርን ሰራዊት ምክልኻልን ጠመተ ዝገበረ ፊልም "ስለ እናት ምድር" ተመሪቑ



ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/15/ 2016 /ኢዜአ/ፊልም "ስለ እናት ምድር" ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ተመሪቑ።

እቲ ፍልም፥ ኣብ ፍቕሪ ሃገርን ሰራዊት ምክልኻልን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፥ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣባላትን ላዕለዎት ኣመራርሓን ሰራዊት ምክልኻልን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ብፍላይ ኣብ ኩይናት ሰሜን ሉእላውነት ሃገር ንምሕላው ዝኸፈሎ ዋጋ ዘርእይ ፍልም ከምዝኾነ ተገሊፁ

ብኣርቲስት ቴዎድሮስ ተሾመ ኣብ ዝተሰናድአ ስለ እናት ምድር ፊልም 30 ሺሕ ሰባት ከምዝተሳተፉ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም