ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም ዝነበሩ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስራሕ ንምጅማር እናተሰርሐ እዩ-ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ

39

 

መቐለ/መጋቢት/ 14/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም ዝነበሩ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስራሕ ንምጅማር እናተሰርሐ ምዃኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ትካል ኣይተ ሞገስ መኮንን ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘለዎም ፀገማት ብምፍታሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንከፈልፍሉ እናተሰርሐ እዩ።

ስለዝኾነ እውን ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘን ሓይሊ ንፋስ ኣሸጎዳን ስራሕቲ ሕድሳትን ፅገናን ብምስላጥ ናብ ስራሕ ንምእታው እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።

 

ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ስራሕ እንተኣትዮም ናብቲ ብሄራዊ መዋህለሊ ሓይሊ ዝኣትው ሓይልን ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እታ ሃገርን ብምዕባይ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ምንቅስቓሳት ከምዘቀላጥፍ እውን ኣይተ ሞጎስ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም