ኢትዮጵያ ኣብ ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ ኻልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚማ





አዲስ አበባ/መጋቢት/14/2016/ኢዜአ/ ኢትዮጵያ ኣብ ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ 18 ሜዳልያ ንናይጄሪያ ስዒባ ኻልኣይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ።

ኣብቲ ውድድር 7 ወርቂ፣ 7 ብሪን 4 ነሓስን ብድምሩ 18 ሜዳልያታት ረኺባ።

ኣብ ጋና ዩኒቨርስቲ ኣክራ ካብ 18 ክሳብ 22 ማርች 2024 እናተኻየደ ዝፀንሐ መበል 13 ውድድር ኣትሌቲክስ መላእ ኣፍሪካ ተዛዚሙ።

ንዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልትታት ልዕሊ 640 ኣትሌታት 50 ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኹሎም ውድድራት ኣትሌቲክስ ተሳቲፎም።

ኢትዮጵያ 47 ደቂ ተባዕትዮ፣ 40 ደቂ ኣንስትዮ ብድምሩ 87 ኣትሌታት ተወኪላ ዝተሳተፈት እንትኸውን ኣብ ሰንጠረዥ ሜዳልያ ክኣትዋ ካብ መንጎ ዝኸኣላ 27 ሃገራት ኢትዮጵያ 7 ወርቂ፣ 8 ብሪን 4 ነሓስን ብድምሩ 18 ሜዳልያታት ንናይጄሪያ ስዒባ ኻልኣይ ደረጃ ሒዛ ከምዝዛዘመት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም