ኢትዮጵያ ብውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሜዳሊያ ወርቅን ብሩርን ረኺባ



ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/14/ 2016 /ኢዜአ/ ኣብ ጋና ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 13 ውድድር መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ፥ ኢትዮጵያ ብውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ሜዳሊያ ወርቅን ብሩርን ረኺባ።

ኣትሌት ሂሩት መሸሻን ኣትሌት ሃዊ ኣበራን ነቶም ሜዳሊያት ዘምፅኣ ኢየን።

ኣትሌት ሂሩት መሸሻ 4:05.71 ብዝኾነ ሰዓት ነቲ ውድድር ብምዝዛም ቀዳመይቲ እንትትወፅእ፥ ኣትሌት ሃዊ ኣበራ ድማ ነቲ ውድድር 4:06.09 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ካልአይቲ ወፂኣ።

ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ቢቂሌ ኣንበሱ ኣብቲ ውድድር መበል ራብዐይቲ ወፂኣ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ውድድር ጉያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ኤርሚያስ ግርማ መበል ካልኣይ ኮይኑ ብምዝዛም ሜዳሊያ ብሩር ንሃገሩ ኣምፂኡ።

ኢትዮጵያ ብውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ብተዛማዲ ኣብ ጋና ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 13 መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ፥ ኢትዮጵያ ብውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ።

እቲ ሜዳሊያ፥ ብኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣቢሉ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት 13:38.12 ብዝኾነ ሰዓት ነቲ ውድድር ብምዝዛም ቀዳማይ ወፂኡ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኢትዮጵያ ኣብ ጋና ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 13 መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ 52 ኪሎ ግራም ውድድር ጉስጢት ደቂ ኣኒስቲዮ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ።

እቲ ሜዳሊያ ወርቂ ብቤተልሄም ገዛኸኝ ኣቢሉ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም