ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ጉያ መሰናክል ደቂ ኣኒስቲዮ ብ3 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ጉያ መሰናክል ደቂ ኣኒስቲዮ ብ3 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/12/ 2016 /ኢዜአ/ኣትሌት ሎሚ ሙለታ ኣብ ውድድር ጉያ መሰናክል ደቂ ኣኒስቲዮብ 3 ሺሕ ሜትሮ ንሃገራ ሜዳሊያ ነሓስ ኣርኪባ።
እታ ኣትሌት ነቲ ርሕቐት ብ9 ደቒቓ 26 ሰከንድን 63 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው መበል ሳልሰይቲ ወፂኣ።
ከምኡውን ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁን ፍሬሕይወት ገሰሰን ራብዓይን ሓምሻይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።