ብ 800 ሜትር ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ፅጌ ድጉማ ስዒራ

 

ኣብ ጋና እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 13 ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ 3 ወርቂ ሜዳልያ ረኺባ።

3 ወርቂ ንኢትዮጵያ ኣብ 800 ሜትር ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ብኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ተመዝጊቡ።

ነቲ ውድድር 1:57:73 ብዝኾነ ሰዓት ዛዚማ።

ዩጋንዳዊት ናካዪ ሃሊማ 2ይ፣ ኬንያዊት ቪቪያን ቺቤት 3 ኾይነን እንትዛዝማ እተን ኢትዮጵያውያን ኣዳኑ ኔንኮን ኣስቴር ኣረሪን 8ይን 9ይን ኾይነን ነቲ ውድድር ዛዚመን።

ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ግላስኮው ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብደቂ ኣንስትዮ ፈላማይ ዝኾነ ዓወት 800 ሜትር ዘዐወተት ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ኣብ ጋና 'ውን ብወርቂ ደሚቓ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም