ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝገበረ ኣብ ጋና ኣንካራ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 13 መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ውድድራት ፍፃመ ከምዝካየዱ ዝወፅአ መርሃ ገብሪ ይሕብር

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/10/ 2016 /ኢዜአ/ካልኣይ መዓልቲ ኣብ ዝገበረ ኣብ ጋና ኣንካራ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መበል 13 መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ውድድራት ፍፃመ ከምዝካየዱ ዝወፅአ መርሃ ገብሪ ይሕብር።

ብመሰረት እዚ፥ ሎሚ ምሸት ኣብ ዝሳለጡ ክልተ ፀወታታት ፍፃመ 800 10 ሺሕን ሜትሮ ውድድር ጉያ ኢትዮጵያን ኣትሌታት ልዑል ግምት ተገይሩዎ ኣሎ።

ሰዓት 4 ኣብ ዝካየድ ውድድር 800 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትሌት ኣስቴር ኣሬሬን ፅጌ ዱጉማን ልዑል ግምት ተገይሩለን ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝካየድ ውድድር 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ድማ ኣትሌት ሃይለማርያም ኣማረ፣ ንብረት መላክን ገመቹ ዲዳን ግምት ካብ ዝተውሃቦም ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም