ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ተዓዊተን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብ5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/10/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ መበል 13 መላእ ፀወታታት ኣፍሪካ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑወን።
ኣትሌት መዲና ኢሳ ነቲ ርሕቐት ቀዳመይቲ ብምውፃእ ንሃገራ ሜዳልያ ወርቂ ኣምፅኣ።
ኣብቲ ርሕቐት ኣትሌት ብርቱካን ሞላ 2ይ ኣትሌት መልክናት ውዱ 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ሜዳልያ ብሩር ነሓስን ኣምፂአን።