ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝተሳለጠ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ፑቲን ተዓዊቶም

69

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/9/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ሩሲያ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተሳለጠ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ወዲ 71 ዕድመ ቭላዲሚር ፑቲን ንቐፀልቲ 6 ዓመታት ንሩስያ  ክመርሑ ዘኽእሎም ድምፂ ረኺቦም።

ማእኸላይ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ከምዝገለፆ፥ ፕሬዚዳንት ፑቲን ልዕሊ 87 ሚኢታዊ ደምፂ ብምርካብ ተዓዊቶም።

ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብቲ ዝተሳለጠ ምርጫ ልዑል ንሕንሕ ከምዘየጋጠሞም እውን ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቶም ፕሬዚዳንት ካብ 1999 . ፈረንጂ ጀሚሮም ነታ ሃገር ዝመርሑ እንትኾኑ፥ ኣብ ታሪክ 200 ዓመታት ንነዊሕ እዋን ንሩሲያ ናይ ምምራሕ ዕድል ዝረኸቡ መራሒ ከምዝኾኑ ኣርቲ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም