ልዕሊ 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ተሳለጡ





ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/8/ 2016 /ኢዜአ/ልዕሊ 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ መበል 21 ዙር ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ቐዳምነት ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቲ ውድድር ጉያ÷ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ንሓግዝ ለውጢ ነቀላጥፍ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተሳሊጡ፡፡

ኣብቲ ውድድር÷ ጉታኒ ሻንቆ 1ይቲ፣ ብርነሽ ደሴ 2ይቲን መቅደስ ሽመልስ 3ይቲ ብምውፃእ ዛዚመን፡፡

ኣብቲ ውድድር÷ ኣትሌታት፣ ናይ ጥዕና ጎየይቲ ከምኡ እውን ኣምባሳደራት ተሳቲፎም፡፡

1 ደረጃ 70 ሺሕ ብር፣ 2 ደረጃ 45 ሺሕ ብር ከምኡ እውን ንሳልሳይ ደረጃ 30 ሺሕ ብር ሽልማት ገንዘብ ከምዝተሰናደአ እውን ተገሊፁ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም