ልዕሊ 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ተሳለጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ልዕሊ 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ተሳለጡ
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/8/ 2016 /ኢዜአ/ልዕሊ 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ መበል 21 ዙር ውድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ቐዳምነት ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
እቲ ውድድር ጉያ÷ “ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ንሓግዝ ለውጢ ነቀላጥፍ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ተሳሊጡ፡፡
ኣብቲ ውድድር÷ ጉታኒ ሻንቆ 1ይቲ፣ ብርነሽ ደሴ 2ይቲን መቅደስ ሽመልስ 3ይቲ ብምውፃእ ዛዚመን፡፡
ኣብቲ ውድድር÷ ኣትሌታት፣ ናይ ጥዕና ጎየይቲ ከምኡ እውን ኣምባሳደራት ተሳቲፎም፡፡
ን1ይ ደረጃ 70 ሺሕ ብር፣ 2ይ ደረጃ 45 ሺሕ ብር ከምኡ እውን ንሳልሳይ ደረጃ 30 ሺሕ ብር ሽልማት ገንዘብ ከምዝተሰናደአ እውን ተገሊፁ፡፡