ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንዝካየድ መረፃ ላዕለዋይ አመራርሓ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝጠመተ መበል 22 ፍሉይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ሕብረት ኣፍሪካ ተኻይዱ

66

ኣዲስ ኣበባ /መጋቢት/7/ 2016 /ኢዜአ/መበል 22 ፍሉይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፀምቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

እቲ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ንዝካየድ መረፃ ላዕለዋይ አመራርሓ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ምድላው ኣመልኪቱ ዝቐረበ ፀብፃብ ተመልኪቱ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሞሪታንያ ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕን መሃመድ ሳሌም ኦሉድ (/) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ መረፃ ላዕለዋይ ኣመራርሓ እቲ ኮሚሽን ኣፍሪካ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ኣብ ምፍጣር ዝህልዋ ግደ ዘደንፍዕ ክኸውን ይግባእ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ÷ እቲ መረፃ ተኣማንነት እቲ ሕብረት ብምሕላው ዝተቐመጡ መምርሒታትን ደምቢታትን ብምኽባር ንአቀማምጣ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ኮሚሽን ምክያዱ ምርግጋፅ ኣድላይ ከምዝኾነ ምግንዛቦም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም