መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ”ብመልክዕ ትረኻ፣ ፊልምን ካልኦት ኣማራፅታትን ንኣድመፅቲን ተመልከትቲን ክቐርብ ኢዩ

59


ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/5/ 2016 /ኢዜአ/ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ዝተፅሓፈ መፅሓፍ የመደመር ትውልድ ብመልክዕ ትረኻ፣ ፊልምን ካልኦት ኣማራፅታትን ንኣድመፅቲን ተመልከትቲን ክቐርብ ኢዩ።

ኮርፖሬት ኣዲስ ዋልታ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን የመደመር ትውልድ ትረኻን ካልኦት ፓኬጃትን ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ደኤታ ሚኒስቴር ቱሪዝም ሌንሳ መኮንን፣ ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ፣ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬት ኣዲስ ዋልታ ሚዲያን ኮሙኒኬሽን መሃመድ ሃሰን፣ ኣርቲስታተን ሰብ ሙያ መራኸብቲ ሓፋሽን ተረኺቦም።

ጎኒ ንጎኒ እቲ መርሃ ግብሪ፥ ፅንሰ ሓሳብ፣ ሃገራዊ ረብሓ፣ ስራሕ ቀፃሊ ትውልዲ ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ።

 እቲ መፅሓፍ ትውልዲ ምህናፅ ሕድሪ ኩሉ ዜጋ  ዝጠመተ ከምዝኾነ አብቲ ስነስርዓት ተገሊፁ

ስለዝኾነ ነዚ ንምስራፅ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓላፍነት ከምዘለወን ኣገንዚቡ ክብል ኢዜአ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም