ኣብ ግራንድ ኣፍሪካን ራን ንዝሳተፉ ኣትሌታት ሽልማት መኪና ተሰናዲኡ

 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/4/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ኣሜሪካ ዋሽንገተን ዲሲ ኣብ ዝካድ ግራንድ ኣፍሪካን ራን ንዝሳተፉ ኣትሌታት ሽልማት መኪና ከምዝተሰናደአ ተገሊፁ፡፡

ግራንድ ኣፍሪካን ራን በቢዓመቱ ጥቅምቲ ምስ ኣተወ ኣብ ካልአይቲ ቀዳም ኣብ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ ዝካየድ ዉድድር ጉያ 5 ኪሎ ሜትሮ ኢዩ።

ኣብዚ ውድድር ንዝሳተፉ ኣብ ኣሜሪካ ዝዓበየ መከፋፈሊ ቶዮታ መኪና ዝኾነ ኣሌክሳንደሪያ ቶዮታ ኣብቲ ውድድር ንዝሳተፉ ሰባት ሽልማት መኪና ከምዘሰናደአ ዕላዊ ገይሩ።

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ዝሳተፉሉ እቲ ዉድድር ካብ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ምዝገባ ከምዝካየድ ኣሰናዳእቲ ዕላዊ ገይሮም።

ኣብቲ ውድድር ቅድም ክብል ደራርቱ ቱሉ፣ ቀነኒሳ በቀለ፣ ጥሩነሽ ዲባባ፣ ገንዘቤ ዲባባ፣ ስለሺ ስህን፣ ሚሊዮን ወልዴ፣ በላይነህ ዴንሳሞ፣ ፋጡማ ሮባ፣ ብርሃኔ ኣደሬ፣ ቁጥሬ ዱለቻን ካልኦት ውሩያት ኣትሌታትን ተሳቲፎምሉ ፀኒሖም ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም