ኣብ ውድድር ሓመሳ ማይ ኣርባዕተ ሚኢታዊ ናፃ ቐዘፋ ኢትዮጵያ መበል 4ይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ

 

አዲስ አበባ/መጋቢት /4/2016/ኢዜአ/ ኣብ መበል 13 ፀወታታት መላእ ኣፍሪካ  ኣብ ዘፈር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ሓመሳ ማይ ኣርባዕተ ሚኢታዊ ናፃ ቐዘፋ ኢትዮጵያ መበል 4 ደረጃ ብምሓዝ ዛዚማ።

ግብፂ ኣብቲ ርሕቐት ኽብረወሰን እቲ ሻምፒዮና ብምምሕያሽ ወርቂ ሜዳልያ እንትትረክብ፤ ኣልጄሪያን ዙምባቡዌን ተዓወትቲ ብሪን ነሓስን ሜዳልያ ኾይነን።

ኣብቲ ውድድር ኢትዮጵያ ብትሽዓተ ዓይነታት ስፖርት ከምትሳተፍ መረዳእታ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን የመላኽት።

መበል 13 ፀወታ መለእ ኣፍሪካ  ኣብ ጋና ኣክራ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብዚ ፀወታ 54 ሃገራት ኣፍሪካ 29 ዓይነታት ስፖርት ይወዳደራ አለዋ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም