ዝተኸተልኩዎ ሜላ ጉያን ሓገዝ ኣስልጣኒን ንዓወት ኣብቂዑኒ – ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ

 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/2/ 2016 /ኢዜአ/ኣብቲ ውድድር ዝተኸተልኩዎ ሜላ ጉያን ሓገዝ ኣስልጣኒን ንዓወት ኣብቂዑኒ ክትብል ኣብ ግላስጎ ውድድር ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም 800 ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ዝተዓወተት ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ገሊፃ።

እታ ኣትሌት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበረቶ ፃንሒት÷ ካብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መበገሲ ዝገበረ ናይ ኣትሌቲክስ ህይወታ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጥሩነሽ ቀፂሉ ድማ ናብ ጋንታ ብምምራሕ 200 ሜትሮ እናጎየየት ከምዝነበረት ትዛረብ፡፡

ካብዚ ብምቕፃል ናብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝተዛወረት እታ ኣትሌት÷ 200 ሜትሮ ኣብ ሻምፒዮና ውሽጢ ሃገር ከምዝተዓወተት ገሊፃ፡፡

ፀገም ዓቕሚ ከምዘይብላን ጉልበት ከምዘለዋን እትገልፅ ኣትሌት ፅጌ÷ ካብ 200 ሜትሮ ንላዕሊ ኣብ 800 ሜትሮ ናይ ምውድዳር ድሌት ምርኣያ ስዒቡ ብፍቓድ ኣሰልጠንታ በቲ ርሕቐት ምውድዳር ከምዝጀመረት ኣብሪሃ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤልጂም ዝተኻደ ሻምፒዮና ዓለም 800 ሜትሮ መለክዒ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝኾነ ሚኒማ ከምዘምፀአትን ካልአይቲ ሰብ ብምዃን ናብ ስኮትላንድ ግላስጎ ከምዘምረሐት ገሊፃ፡፡

ኣትሌት ፅጌ ኣብ ግላስጎው ውድድር ውሽጢ ገዛ ዓለም ብኬንያውያን ኣትሌታት ብርቱዕ ንሕንሕ ከምዝገጠማ ኣልዒላ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ውድድር ብሰዓት ብምክፍፋል ዝተጠቐመቶ ሜላ ጉያ ንኽትዕወት ከምዝሓገዛ ኣብሪሃ፡፡

ብምዕዋታ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ዝገለፀት ኣትሌት ፅጌ÷ ኣብ ቀፃሊ በዚ ርሕቐት ኣብ ዝተፈላለዩ ሻምፒዮናታት ዓለም ብምስታፍ ሰንደቕ ዕላማ ሃገራ ክብ ክተብል ከምትደሊ ተዛሪባ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም