ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ




ንደቂ ኣንስትዮ ነብቅዕ፣ ሰላምን ልምዓትን ነረጋግፅ ብዝብል ቴማ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብብርኪ ዓለም ንመበል 113 ግዜ ብኢትዮጵያ ድማ ንመበል 48 ግዜ ሎማዓንቲ ተኸቢሩ ክውዕል 'ዩ።

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝኽሪ ዓድዋ እናተኸበረ ይርከብ።

ኣብቲ በዓል ፕሬዝዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ከምኡ 'ውን ኻልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ካብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኣ ደቂ ኣንስትዮን ተረኺበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም